ቅዱስ ቁርባን ክቡር መሥዋዕቲ

ቅዱስ ቁርባን እቲ ዘንተ ዕለት ካብ ዓይኒ እግዚኣብሔር ዘይክወል መኣዲ

ናይ ቅድስቲ ሥላሴ ካልኣይ ኣካል ዝኾነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሓላፍን መዋትን ባህርና ማለት ሥጋና ለቢሱ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ዓራቕን ንምዃን ናይ ኩሉ ሰብ ካህንን ልዑል መሥዋዕትን ኮይኑ ከድሕነና መጸ፣ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቀራንዮ ብምውፋይ ነቲ ንሕና ንኣምላኽ ዝበደልናዮ ካሕሳ ከፊሉ ንደቂ ሰብ ብፍጹም ዋጋ ኩሉ ጸጋታት ሃበና፣ ቤተክርስቲያን ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ መሥዋዕቲ ናይ ድሕነትና ብቅዳሴ ንኹሉ ጊዜ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ንኹለን ኣብ ሓጢኣት ዝርከባ ነፍሳትን ነተን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዝቃለሳን ዝጋደላን መሠረት ህላዌ ኮነ፣

ቅዱስ ቁርባን ክቡር መሥዋዕቲ ካብ ዘብሎ ዓበይቲ ነጥብታት ሓደ እቲ መሥዋዕቲ ብርእሱ ናይ ሰብ ወይ ንናይ ኣራሑ ወይ ኣባጊዕ ዘይኮነ ናይ ኣምላኽ መሥዋዕቲ ፍሉይ ብዓይነቱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዘይተራእየ ናይ ኣብ መስቀል ሙማት ዓቢ ምሥጢር ዝሓዘለ ኮይኑ ተሰዋእን ሰዋእን መሥዋዕትን ባዕሉ ኣየሱስ ክርስቶስ ወልደኣብ በመሎኮቱ ወልደማርያም ብትስብእቱ ስለ ዝኾነ እዩ፣ ናይ ቅዱስ ቁርባን መሥዋዕቲ ኣብቲ መልዕልተ ልዑላን ዝኾነ ቅዳሴ’ዩ ዝቐርብ፣ ነዚ ሓሳብ ንምርዳእ እምበኣር ትርጉምን ኣገዳስነትን ቅዳሴ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓና፣

ቅዳሴ ።- ቅዳሴ ናይ ቀራንዮ መሥዋዕቲ ምሥጢራዊ ልብሲ እዩ፣ ቅዳሴ ብምሥጢራዊ ኣገባብ ዝቕጽልን ዘሐድስን ዘሎ መሥዋዕቲ ቀራንዮ’ዩ፣ ኣብ ቅዳሴ ልዑል ካህን ክርስቶስ ባዕሉ እዩ፣ ንኽሎም ነዚ ድሕነት ዝተጸውዑን ዝቕበሉን እቲ ሥጋኡን ደሙን ዝሃበ ክርስቶስ ብቃላቱ “ ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ እቲ ናባይ ዝመጽእ ኣይክጠምን እቲ ብኣይ ዝኣምን ድማ ከቶ ኣይክጸምእን’ዩ’’ (ዮሓ 6።35) እናበለ ወትሩ ኣብ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ይዕድሞም፣

“ድኹም ሓርጭ ወሲድካ ዓሰርተ ክልተ እንጌራ ሰንክት…ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር በብሽዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ፣ ነቲ እንጌራ ንመዘከርታ መሥዋዕቲ ሓዊ ንእግዚኣብሔር ክኸውንሲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስሩዕ እንጌራ ጽሩይ ዕጣን ኣንብር፣ ካብ ደቂ እስራኤል ንኺዳን ዘለዓለም በብመዓልቲ ሰንበት ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር የዳልዎ፣ እዚ ካብ መሥዋዕቲ ሓዊ ንእግዚኣብሔር ቅድስተ ቅዱሳን’ሞ ንኣሮንን ደቁን ይኹን ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ድማ ይብልዕዎ እዚ ናይ ዘለዓለም ሕጊ እዩ”
(ዘሌ.24።4-9).

ሚልኪያስ ነቢይ።- እዚ ነቢይ እዚ ትንቢታዊ። ኣምላኽ ዝደልዮ ቅዱስ መሥዋዕቲ ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ፣

“ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ዓቢይ እዩ’ሞ ኣብ ኩሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዓጥኑ ንጹሕ መሥዋዕቲ ድማ የቕርቡለይ ኣሎዉ” (ሚልኪያስ 1።11)፣ እዚ ትንቢታዊ ቃል’ዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብታ ክርስቶስ ብደሙ ዝመስረታ ቤተክርስቲያን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ይቐርብ ኣሎ፣ ስለዚ ንጹህ መሥዋዕቲ ክብል እንከሎ ደም ዘየፍስስ ወይ ዘየንቅዕ መሥዋዕቲ ማለት እዩ፣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኪብል እንከሎ ኩሉ መዓልቲ ዝውፈ ማለቱ እዩ፣ ኣብ ኩሉ ቦታ ክብል እንከሎ’ውን ኣብ ኩሉ ሃገርን ዓድታትን ስፍራን ዝውፈ ማለት እዩ፣ ምእንት’ዚ እዚ ትንቢት ከምዚ ካብ ዝብል ቅዳሴ ሓቐኛ ክቡር መሥዋዕቲ እዩ፣ ቅዳሴ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝቐርብ ንጹሕ መሥዋዕቲ ኣምላኽ ስለዝኾነ ከምቲ ትንቢት ዝበሎ ይፍጸም ኣሎ፣ ጉባኤ ትረንቶ ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ክቡር መሥዋዕቲ ምዃኑ እንከረድኣና ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ የተንብሃልና።-

‘’ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሽሕ’ኳ ንዓና ሓደ ጊዜ ደም ዘፍሰሶ መሥዋዕቲ ጌሩ እንተድሓነና ንሱ ንቤተክርስቲያኑ ንናይ መሥዋዕቲ ቀራንዮ ንምዝክኻርን ንምግላጽን ንምቕራብን ናይ ደም ዘየንቅዕ መሥዋዕቲ ሃባን ገደፈላን”፣

ቅዱስ ቁርባን መሥዋዕቲ’ዩ።- ቅዱስ ቁርባን ልዕሊ ኩሉ መሥዋዕቲ’ዩ፣ እዚ ማለት መሥዋዕቲ ድሕነትን መሥዋዕቲ ሓዲሽ ኪዳንን’ዩ፣ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክሪስቲያናት ብፍላይ ዘየቛርጽን ሓዲስን ዘልዓለማዊ ፍሲካዊ እግዚኣብሔር ንሰብ ሰብ ድማ ንእግዚኣብሄር ዘቕረቦ መሥዋዕቲ’ ይብሉ፣ በዚ ኣገባብ እቲ ነዚ ወፈያ ዘቕርብ ልኡኽ ኣምላኻዊ ኣቕራቢ መሥዋዕቲ ተባሂሉ ይስመ፣ ኣብ ቅዳሴ ምስ ኩሎም ነዚ ቁርባን ብተመስጦ ክካፈሉ ዝጽበዩ ኣማኒያን ብመንፈሳውነትን ምስጢራዊ መንገዲ ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ብዝተሓደሰ መልክዕ ንሥርየት ሓጢኣት ይቐርብ፣

ቅዱስ ቁርባን ክርስቶስ ብርእሱ እዩ።- ኣብ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ብመንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ናብ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ዝተለወጠ ኅብስትን ወይንን መሎኮት ስለ ዝኾነ ስግደትን ኣምልኾን ምስጋናን ከነቕርብ ደኣ’ምበር መንፈሳዊ ትሕዝቶ ኢልና ክንሓስብ ኣይግባእን፣ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብወገኑ ቅዱስ ቁርባን ክርስቶስ ኮይኑ ንምእመናን ነቶም መሰል ውልድነት ዘሎዎም ዝተዋህበ ሥጋን ደምን ናይ ኣምላኽ ድሕሪ ኢሉ ንናይ ሓዲሽ ኪዳን ኣመንቲ ፍሉይ ህያብ ከም ምዃኑ እንከረዳኣና።-

“ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ክንርእዮን ክንሰግደሉን ጥራሕ ዘይኮነ በእዳውና ወሲድና ክንበልዖ ኣብ ሥቓይ መስቀል ክጸሮ ዘይከኣለ ምስባር ኣዕጽምቱ ንሕና ወሲድና በስናና ንሰብሮ” ይብል፣

‘’ቅዱስ ቁርባን ዘቃጽል እሳት’ዩ ስለዚ ሠይጣን ምድፋርና ክሳዕ ዝስእን ብናይ ቅዱስ ቁርባን ነበልባል እንዳተቓጸልና ካብ መንበረ ታቦት ክንምለስ ይግበኣና” ይብል፣

ቅዱስ ቁርባንን ሕይወታዊ ለውጥን።- ቀዳማይ ፍረ ናይዚ ክቡር መስዋዕቲ እዚ ማለት ናይ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ምስኡ ሓደ ምዃን እዩ፣’’እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር” (ዮሓ.6።56)፣ብተወሳኺ ምስ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን ሓድነት ይፈጥር፣ ንሓጢኣት ኣጥፊኡ ንጽድቂ ከምእንነብር ዝገብር ምሥጢር እዩ፣

ቅዱስ ቁርባን ቤተክርስቲያን ማሕበር ኣመንቲ ንኽትከውንን ኣብኣ ድማ ብግሉጽን ምሥጢራዊ መገዲ ሕያው ኮይኑ ይነብርን ይቕድሳን ይመርሓን ወትሩ ከኣ ይምግባን ኣብ እምነታ የጽንዓ፣ ናይ ሕብረት መኣዲ ስለ ዝኾነ ድማ ኣመንቲ ኣብ ውሽጣ ከምዝስስኑን ከምዝመላለሱን ይገብር፣ ሕይወት ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ኣብዚ ዝተመስረተ ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ምስክርና እዩ፣

“ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤትመቅደስ ከየቛረጹ ብኅብረት ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ ኣብ ኣባይቶም እንጌራ እናቖረሱ ኸኣ ብታሕጓስ ብግሩህ ልብን ኣብ መኣዲ ይሳተፉ ነበሩ፣ ንኣምላኽ የመስግኑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሕዝቢ ድማ ሞጎስ ነበሮም፣ እግዚኣብሔር ከኣ ዝድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማኅበር ይውስኽ ነበረ”፣ (ግ.ሓ.2።46-47)

“ቤተክርስቲያን ናይ እምነት ምሥጢር ኣብ ዝፍጸመሉ ግዜ ምእመናን ከምዘይምልከቶም ወይ ዓባሳት ተዓዘብቲ ኮይኖም ምእንቲ ከይተርፉ ትስከፍ…ስለዚ ምእመናን ሥርዓታቱን ጸሎታቱን ብግቡእ ተረዲኦም ኣብዚ ቅዱስ ተግባር እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ብምፍላጥ ብመንፈሳውነትን ብኅብረትን ክሳተፉ ድላያ ኣዩ፣ ብዛዕባ ቃለ እግዚኣብሔር ይመሃሩ ካብ መኣዲ ሥጋሁ ወደሙ’ውን ይመገቡ”፣ (ቅዱስ ጉባኤ ቁ.48)

ቅዱስ ቁርባን ናይ ሕያዋን መግቢ ስለዝኾነ ወትሩ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ እናነበርና ክንቅበሎ ግድነት እዩ፣ ብሕይወት ክሳዕ ዘሎና ጊዜ ንዓኡ እናተመገብና እንተነበርና ኣብ መጨራሻ ሰማያዊ ክብሪ ዘልብሰና ምሥጢር እዩ፣ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብዛዕባዚ’ውን እንከስተምህር ከምዚ ይብል።-

“ እግዚኣብሔር ዘይውድኦ ኣምላኽ ስለዝኾነ ካብዚ ዝበልጽ ክቡር መሥዋዕቲ
እንታይ ክህበና ይኽእል…ብሓቂ እግዚኣብሔር ካብ ዝለገሰልና ልግሲ ብምሉኡ
እቲ ዝበለጸ ቅዱስ ቁርባን’ዩ ምኽንያቱ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ናይቲ ኩሉ ጸጋታት
ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንቕበል ኣሎና፣ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ከኣ ካብ
ኢየሱስ ዝበልጽ ዓቢ ህያብ ንክርስትናና የብልናን”፣

ሕይወት ቀዳሞት ክርስቲያን ሓደ ዓቢ ምስክርነት ናይ ቅዱስ ቁርባን እዩ፣ ንሳቶም ኣብ ገዛውቶም ሒዞሞ ይነብሩን ኣብ ጊዜ ሽግርን መከራን ክሰግድሉን ከኽብርዎን ክልምንዎን ከመሰግንዎን ድሕሪ ጸኒሖም ብመስተንክር ኣገባብ ንቅዱስ ቁርባን ተመጊቦም ሕይወቶም ናብ ኣምላኽ የማሕጽኑ’ሞ ብሰማዕትነት ይሞቱ ነበሩ፣

መሥዋዕተ ቅዳሴ ብነፍስን ሥጋን ንዝሓመሙ ፈውሲ ንሓጥኣን ድማ ናይ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካሕሳ ዝኽፈለሉ መሥዋዕቲ እዩ፣

ጉባኤ ቫቲካን።- ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ቫቲካን ንምሥጢረ ቁርባን ብዝርኢ ኣገዳሲ ውሳኔታትን መምርሕን ብምሕላፍ ኣነጺሩ ንቤተክርስቲያን እዚ ምሥጢር እዚ መሠረት ህላዌኣ ምዃኑ ገሊጹላ ይርከብ፣

“ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝኣተዎ ኪዳን ብቅዱስ ቁርባን ብምሕዳስ ንምእመናን ናብ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ይስሕቦምን የቃጽሎምን እዩ”

(ቅዱስ ጉባኤ)

“ ቅዱስ ቁርባን ናይ ሓድነት ምልክት ናይ ሰናይ ግብሪ መተግበሪ ናይ ክርስቶስ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝኽሪ ንፍትውቲ ሕጽይቱ ቤተክርስቲያን ሕድሪ ንኽህባ ባዕሉ መኣዲ መሥዋዕቲ ኮይኑ ኣብ ዝቐርበሉ ፋሲካዊ በዓል ኣእምሮ ብጸጋ ይመልእ ንዓና ድማ ውሕስነት ናይቲ ዝመጽእ ክብሪ ይወሃበና”፣(ቅዱስ ጉባኤ ቁ.47)

“ ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስቲያኑ ኣውራ ከኣ ኣብ ሥርዓት ሊጡርጊያ ኩሉ ጊዜ ሕያው እዩ፣ ክርስቶስ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ቀዳሲ ካህን ከምቲ ንሱ ሓደ ጊዜ ኣብ መስቀል ዝተሰውዐ ሕጂ’ውን እንደገና ብላእካን ካህናት ዝውፈ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ምሥጢረ ሥጋኡን ደሙን ሕያው እዩ፣ ክርስቶስ ብኃይሉ ኣብ ምሥጢራት ሕያው እዮ፣(ቁ.7)

ኣበው።
ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ (347-407) ናይ ቅ.ቁርባን ሊቅ።- ቅዱስ ቁርባን ክቡር መሥዋዕቲ ክርስቶስ ከም ምዃኑ እንክናገር

‘’ እዚ ኣብ ጽዋዕ ዘሎ እቲ ካብ ጎድኑ ዝፈሰሰ ደም’ዩ ንሕና ድማ ሱታፌ ኣሎና፣ እዚ ሥጋ’ዚ እቲ ብደም ዝተዓለሰ ብኩናት ዝተወግአ ዛራ ደምን ማይን ዝጠልቀየ እዩ ጎ.ኢ.ክ. ነዚ ክንሕዞን ክንምገቦን ሃበና፣ እዚ ናይቲ መጠን ዘይብሉ ፍቕሪ መረጋገጽን ምስክርን’ዩ፣ ግን’ከ ክንደይ ሰባት መልክዑን ገጹን ክዳውንቱን ኣሳእኑን ክርኢ ምደለኹ ዝብሉ ኣሎዉ፣ ግናኸ ትርእይዎን ትሕዝዎን ትምገብዎን ኣሎኹም፣ኢየሱስ ምእንቲ ብግልጺ ክቡር መሥዋዕቲ ምዃኑ ክትኣምኑ ባዕሉ ክትሕዝዎን ክትቅበልዎን ኣፍቂዱልኩም ኣሎ’’፣

ቅ.ቄርሎስ ዘእስክንድርያ (376-444)።- እዚ ቅዱስ እዚ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቱ ዘስተማቐሮን ዝሰበኾን’ዩ፣
‘’ቅዱስ ቁርባን ከሃሌ ኩሉ እግዚኣብሔር ብምሥጢራዊ ኣገባብ ብኡነት ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ከምዝተለወጠ ደኣ’ምበር እቶም ዝረኣዩ ነገራት ኣምሳል እዮም ኢሎም ምእንቲ ከይሓስቡ ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ጌሩ ብግሉጽ ኣገባብ እዚ ሥጋይ’ዩ እዚ ደመይ’ዩ በለ፣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ዝመኸኸ ሽምዓ ካልእ ሽምዓ እንተወሰኸሉ ዝሕወስ ከምኡ ሓደ ሰብ ናይ ጎ.ኢ.ክ. ሥጋን ደምን ተቐቢሉ ምስኡ ይሓብርን ይሕወስን፣ ስለዚ ኢየሱስ ኣብቲ ሰብ’ቲ ይርከብ፣ እቲ ሰብ’ቲ ድማ ሽዑ ክርስቶስ ይኸውን’’ ይብል፣

መደምደምታ።-ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴና ብፍላይ ቅዳሴ ማርያም ብሰፊሑ ክርስቶስ ሓቀኛ መሥዋዕቲ ብዝተሓደሰ ኣገባብ ይቐርብ ከምዘሎ ካብ ዘረጋግጹ ጽሑፋት ሓደ እዩ፣ ብዘገርም መገዲ ካብ ዝተገልጸ ምስንርኢ

“ ኦ ድንግል ዝብላዕ ዘፍረኽልና ዝስተ’ውን ዘፈልፈልክልና ነዚ ኅብስቲ ካባኺብእምነት ንዝበልዕዎ ሕይወትን ድሕነትን ይረኽቡ ኦ ኅብስቲ ነቶም ዘይኣምኑ ግና እዚ ዘይሕየኽ ተሪር ኣብ ውሽጡ ጽኑዕ እምኒ ኣድማስ ዝሓዘ እዩ፣ ኦ ጽዋዕ እቶም ካባኺ ብእምነት ዝሰትዩ እቲ ዝሰትይዎ ጥበብ የፈልፍል ድሕነት’ውን ይህብ፣ ኦ ጽዋዕ ነቶም ብዘይ ምእማን ካባኺ ዝሰትዩ ግን ዘስክርን ዘርዕድን ኣብ ክንዲ ኅድገት ኣበሳ ዝውስኽ እዩ”ይብል፣

ንእግዚኣብሔር መስዋዕቲ ዘየቕርብ ሃይማኖት የልቦን፣ ቅዳሴ ኣብ ዝቅደሰሉ ተግባረ ድሕነትና እዩ ዝፍጸም። ንሕና ከኣ ናይ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ተሳተፍቲ ንኸውን፣ ካህናት ኩሎም ከምቲ ኣብ መወዳእታ ድራር ንኅብስትን ወይንን ናብ ናይ ሥጋኡን ደሙን ክልውጥ ዝተናገሮ ናይ ምልዋጥ ቃላት ብምድጋም ከም ናቱ መጉልሕ ብምዃን(In persona Christi Capitis) ካብዚ ምሥጢር’ዚ ይካፈሉን የካፍሉን፣ ብማዕርግ ነዚ ዝተመዘዙ ኣገልገልቲ ጳጳሳትን ካህናትን ነቲ ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ‘’ እዚ ንተስካረይ(ዝኸረይ) ግበርዎ’’ ዝብላ ቃላት ምእንቲ ክፍጽሙ ክህነት ዝቕበሉ፣

ከም ኣመንቲ መጠን ቅዳሴ ከነቀድስ እንከሎና ኣብ ቀራንዮ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ንቀመጥ፣ ንመስቀል ኢየሱስ ጨቢጥና ንሓዞ፣ ነዚ ክቡር ናይ ድሕነትና መሥዋዕቲ ከኣ ወትሩ ክንቅበሎ እምነትና ኣሐዲስና መንፈሳውነትና ኣዕቢና ነቲ ደስ ዘብል ቅድስና ኣምላኽ መዓልቲ መጸ ንዘልዓለምነትና ንሕሰብ፣ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ. ኣቡነ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ቁርባን ክቡር መሥዋዕቲ ድሕነትናን ምንጪ ክርስትናን ሕይወትን ብርሃንን ቤተክርስቲያን ምዃኑ ተገንዚቦም ንኣስተንትኖን ንለውጥን ቅድስናን ብምዕዳም ዝገደፉልናን ዝተማሕጸኑናን ቅዱስ ዓመት ከም ወራሲ ጴጥሮስ መጠን ነቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ ዝደገሞ ትንቢታዊ ቃል ክንጠቅስ ” ጎይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል ኣሎካ ናብ መን’ሞ ክንከይድ ኢና ንሕናስ ንስኻ እቲ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚናን ፈሊጥናን ኣሎና” (ዮሓ.6.68-69) ዝብል መሎኮታዊ ተኣማንነት ንወትሩ መምርሒ ቤተክርስቲያናን ሕይወትናን ክንገብሮ እዋናዊ መልእኽቲ እዩ፣

‘’ነዊሕ መገዲ ኣሎካ’ሞ ተንሲእካ ብላዕ’’
(1ነገስት 19:1-9)

እግዚኣብሔር ዝፈጠራ ነፍሲ ብኽልተ መገዲ እዩ ዝምግባ፣ እቲ ቀዳማይ ቃሉ ኪኽውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ቅዱስ ቁርባን እዩ; እዚ መሠረታዊ ሓቂ እዚ ንዓና ክርስቲያን በቲ ብፍቕርና ተደሪኹ ዝመጸ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያው ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል; ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ብንጹር መገዲ ድኻምነት ወዲ ኣዳም ስለዝተረድአ እዚ ወዲ ኣዳም እዚ ብዘይካ መድሓኒኡ ክነብርን ሕይወት ክህልዎን ከም ዘይክእል ምስ ፈለጠ ጽምኣት ነፍሳቱ ገዲድዎ ነዚ ዝስዕብ መሎኮታዊ ቃል ንሓዋሩ ኪኸውን ሃበና።- ‘’ ኣቱም ዝጸዓርኩምን ኩልኻትኩም ዝደኸምኩምን ናባይ ንዑ ሙሉእ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም’’(ማቴ.11።28)፣ ኣብዛ ምድራዊት ጉዕዞና እዘን ቃላት እዚኣተን ኣገደስቲ እየን; ዕላማ ወዲ ክርስትና ኣብ መጨረሻ ንክርስቶስ ምርኣይ እዩ; እዚ ክርስትና እዚ ብርእሱ ክንዮ ምንባር ምንባር ምስ ኢየሱስ ተወሃሂድካ ምንባር ሕመረቱ ስለዝኾነ ባዕሉ መድሓኒና ድኻምነትናን ጉድለትናን ፈሊጡ ብኣካሉ ክወሃበና መሪጹ; ነዚ ምእንቲ ከረድኣና ድማ ብንጹር ኣገባብ ሓደ ዓቢን ሓድሽን ዘላለማዊ ኪዳን ዝፈጥር መሪሕ ሓሳብ ክውበና ይርከብ;

’’ ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ እንተኾነ ሞቱ
እቲ ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕ ዘበለ ምእንቲ ከይመውት
ግን ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ’’’(ዮሃ.6:49-51) ;

ካብ ቃላት ኢየሱስ ምርኩስ ብምግባር ምሥጢረ ቁርባን ዘልዓለማዊ መግቢ ንኪኾነና ዝተዋህበና መግቢ ኮይኑ ብሕልፊ ግና ንኸይንመውት ዝተዋህበና ምዃኑ ንርዳእ፣ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኣሎና ክንብል እንኽእል በዚ ሥጋን ደምን ናይ ወልደእግዛብሔር ጥራሕ እዩ፣ ካብዚ ምሥጢር’ዚ ምስ እንፍለ ዝስዕበና ዕጫ ሞትን ጥፍኣትን ዘልዓለማዊ ስቓይን’ዩ፣ ምድራዊ እንጌራ በሊዕካ ክንበር ይከኣል’ዩ ሕይወት ምዕዳግ ግና ብፍጹም ኣይከኣልን’ዩ; ቃል ኣምላኽና ተንሲእካ ብላዕ ኪብል እንከሎ ተንሲእካ ክሳዕ ዘይበላዕካ ሕይወት የብልካን; እዚ ናይ ምንባርና ወሳኒ መሎኮታዊ መግቢ’ዚ ኣብ ብሕርይ ኣምላኽ ዘወሃህድ መሠረታዊ ድሕነት ዝህብ ክንዲ ዝኾነ እዩ; ኢየሱስ ባዕሉ ‘’ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ከም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ክነድድ ይድርብይዎ’’(ዮሃ.15: 6) ይብል;

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሕዝቡ ኣብ ድነ ሞትን ጸልማትን ምእንቲ ከይነብር ኢሉ ተበጃዊ ኣካሉ ብምልኣኽ እቲ ዝተላእከ መድሓኒ ባዕሉ ሓደ ዓቢ ጥበብ ዝጽዋዕ ኣምላኽ ከምዝመጻና ገለጸ፣ ሓዋርያ ጳውሎስ ነዚ ዓቢይ መደብ ኣምላኽ ኣብታ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝጻሓፋ መልእኽቱ እንክናገር ከምዚ ይብል:-

‘’ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሱስ ከስቶስ ኢኹም ዘሎኹም ንሱ
(ኢየሱስ) ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበና ጥበብ እዩ፣ በዚ ጥበብ’ዚ
ማለት(ኢየሱስ ክርስቶስ) ጽድቅን ቅድስናን ድኅነትን ኮነልና ’’ ;
(1ቆሮ.1: 30)

ቅዱስ ቁርባን ኣብ’ዚ ምድሪ እዚ ዘሰንየና ምግቢ’ዩ ዘብሎ ነገር እንተሃለወ ሰብ ዘቕረቦ መግቢ ዘይከነ ኣምላኻዊ ናይ ነፍስን ሥጋን መለኮትን ስለዝኾነ እዩ፣ እዚ ሓሳብ’ዚ ኣይሁድ ኮነ ሓዋርያት ብገርህን እምነትን ኣብ መጀመርያ ኣይተቐበልዎን ክርስቶስ እውን ክመሳሰልን ክመጻደቕን ክልምኖምን ኣይተረኽበን; እንታይ ደኣ ትእዛዙ ከምታ ዘላታ ክፍጽምዋ ጥራሕ’ዩ ኣዚዝዎም; ነቶም ሥጋኡን ደሙን ክቕበሉ ዘይደለዩ ሰባት ከኣ ምንምኳ ነጻነቶም እንተዘገፈፈ ንዓዑ ዘምምጋብ ኣብዚ ጉዕዞ’ዝ’ ግና ሓደገኛ ከምዝኸውን ኣረድኦም; ተንሲእና ክንበልዕ ካብ ዘገድደና ቃላት ኢየሱስ ምስንርኢ:-

‘’ሥጋ ወዲ ሰብ እንተዘይበሊዕኩም ደሙ’ውን እንተዘይሰቲኹም
ሕይወት ከምዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ…
ሥጋይ ዝበሎ ደመይ’ውን ዝሰቲ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ኣላቶ
ኣነ’ውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተንስኦ እየ’’(ዮሃ.6:53-54)
ወዲ ክርስትና ንዘልዓለማዊ ሕይወት ከምዝተፈጥረ ካብ ፈለጠ እምበኣር በዘይ ኣምላኽ ምንባር ድማ ጽጉም ምዃኑ ብኡ መጠን ክርዳእ ተድልዮ; እምነት ኣብ ፈጣሪ ንዝመጽእ ክብሪ ውሕስነት ስለዝህብ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ንኩሉ ጊዜ ዘገልግለና ኣብነታዊ ተኣማንነት ክንደግም ከድልየና እዩ; እዚ ቃል እዚ እንተስተንተናዮን መምሪሕና ኪኸውን እንተኣመናዮ ብርግጽ ብሕይወት ክንነብር ኢና; ክትከዱ’ዶ ትደልዩ ዝብላ ቃላት መድሓኒና ብተመስጦ ዝሰሞዐ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ዝስዕብ ኪብል ተረኽበ ‘’ጎይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል ኣሎካ ካባኻስ ናብ መን’ሞ ክንከይድ ኢና…ንሕናስ ንስኻ እቲ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ምኻንካ ኣሚናን ፈሊጥናን ኣሎና’’ (ዩሃ.6: 68-69) ;

ቅዱስ ዳዊት ሕያውነትን ፍቕርን ናይ እግዚኣብሔር ምስ ኣስተማቐረን ኣብ ቤቱ ምንባር ድማ ክሳዕ ክንደይ ሰናይን ጥዑምን ምዃኑ ምስ ረኣየ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ‘’ ንስኻ ናይ ሰማይ መግብን ናይ መላእኽቲ እንጌራን ክትምግበኒ ትደሊ ኣሎኻ ‘’(መዝ.78:25) ብምባል ዕቤት ፈጣሪኡ ኣስተንተነ፣ ኤልያስ ምግቢ ድሕሪ ተመጊቡ ብሓይሊ እቲ መግቢ ኣርባዓ ለይትን መዓልትን ዝተጓዕዘ ንሕና’ውን ክሳዕ ናብ ሰማያዊ ኣቦና እንምለስ ብብርታዔ’ዚ መሎኮታዊ ምግቢ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ህላዌናን ስጉምትናን ከነውሕስ ይግባእ፣ ኢሳይያስ ነቢይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንዝኣመንዎ ዝህቦም ምጽንናዕን ሓይልን ኣብ ሕይወቶም ዝመጽእ ጸጋን በረኸትን እንክገልጸልና:-

‘’ ንሱ(እግዚኣብሔር) ንድኹም ሓይሊ ይውስኾ ንዝተሓለለ ከኣ
ብርታዔ ይህቦ፣ ኣጉባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን ኣብጽሕ ድማ
ሰንከልከል ኢሎም ይወድቑ እቶ ንእግዚኣብሔር ዝጽበይዎ ግና
ሓይሎም ይሕደስ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ ይጎዩ’ሞ ኣይሕለሉን
ይኸዱ’ሞ ኣይደኽሙን’’(ኢሳ.40: 29-31)ይብል፣

ሕይወት ካብ መብልዕ ይበልጽ ክንዲ ዝኾነ ኣነባብራና ክጽብቐልና ኣብ ዝኾነ ኩነት ንረኸብ ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ከይንህሉ ክንጥንቀቕን ካብዚ ምሥጢር ወጻኢ ንሕይወትና ንመርሓ ከይንርከብ ደጊምና ደጋጊምና ርእሰ ምፍታሽ ንግበር፣ ዓንዲ ማእከል ሕይወትና ክርስቶስ ምስዝኸውን ጥራሕ’ዩ ክርስትና ምቁር ኪበሃል ዝከኣል;

ቤተክርስቲያን ኣብ እምነታ ደጋጊማ ከምዝገለጸቶ ብዘይ’ዚ ምሥጢር ህላዌ ከምዘይብላ’ዩ፣ ኣብ ጎዕዞኣ ክትቅጽልን ንኣመንቲ ክትመርሕን ዘኽኣላ ምሥጢረ ቁርባን’ዩ፣ ጉባኤ ቫቲካን ካልኣይ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ሓሳባት ብዝግባእ ድሕሪ ምርኣይ ኣበው ንሓዋሩ ዝኸውን ምስክርነቶም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣመሓላሊፎምልና ይርከቡ።-‘’ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝኣተዎ ኪዳን ብቅዱስ ቁርባን ብምሕዳሱ ንምእመናን ናብ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ይስሕቦምን የቃጽሎምን ኣሎ’’ ; ሕዝቢ ኣምላኽ ነዚ ናይ ፍቕሪ መኣዲ’ዚ ብዕምቆት ክርድኡ ካብ ዝጀመርሉ እዋን ናይ እምነት ስጉምቶም ከተዓራርዮ ቀዳምነት ኣብ ሕይወቶም ንፈጣሪኦም ኪህቡን ብቃል ኣምላኽን ንስሓን ተመሪሖም ንዝበለጸ ዓወትን ቅድስናን ኪሰርሑ እግዚኣብሔር ኣብዚ ዘመን’ዚ ንኹሉ ውሉደ ኣዳም ዘመሓላልፎ ዘሎ መልእኽቲ’ዩ; ከምቲ ማርያም ነቲ ቃል እግዚኣብሔር ተቐቢላ ሥጋ ዘልበሰቶ ኣመንቲ ኩልና’ውን ነቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሰዋእን& መሥዋዕትን& ሰዋእን& ኮይኑ ዝቐርብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ክሰርሕ ክንፈቕደሉ የድሊ; መጽሓፍ ቅዳሴና ብዛዕባ ማርያም ነዚ ኣምላኽ’ዚ ከመይ ጌራ ሥጋ ከምዘልበሰቶ እንክናገር:-

‘’ ኦ ማርያም ንስኺ ኣብ ከርስኺ ቁርባን ዘፍረኺ ኢኺ ንሕና ደቂ’ዚ
መቕደስ ዝኾንና ካብ ጸባኢ ውግእ ክትሕልውናን ከምቲ ሓንሳብ
ዝተሓዋወሰ ማይን ወይንን ኪፈላለ ዘይከኣል ከማኡ ካባኽን ካብቲ
በጊዕ ድሕነት ዝኾነ ወድኽን ከይንፍለ በዚ ቁርባን’ዚ ንምሕጸነኪ ኣሎና’’;

ስለዚ ናብ ኣምላኽ ገጽና ንመለስ፣ እቲ ናይ ኩሉ መሥዋዕትታት ዝበለጸ መሥዋዕቲ እቲ ናይ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዘወፈዮ ስለዝኾነ ነዚ መሥዋዕቲ ዘሐድስ ድማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዃኑ ክንልወጥን ሰማያዊ ክብሪ ክንጎናጸፍ እንተደሊና ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ክንነብር ኣይንድለ; ነዚ ንምቕባል ግና እዋናዊ ካብ ጎይታ ዝመጽእ ዘሎ ምሕጽንታዊ ቃል ኣብ ተግባር ንምውዓል ስንድውነትና ነረጋግጽ;

‘’ እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ሕዝበይ ትሕት እንተ በሉ። እንተ ለመኑ።
ገጸይ’ውን እንተደለዩ። ካብ ክፉእ መገዶም ድማ እንተተመልሱ ሽዑ
ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕ’የ ኃጢኣቶም ይቕረ ኪብለሎም ምድሮም’ውን
ክፍውሰሎም’የ ሕጂ ድማ ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ንዝጽለ ጸሎት ኣዕይንተይ
ኣእዛነይ’ውን ጽን ኪብላ እየን’’ ይብል እግዚኣብሔር;
(2ዜና መዋዕል 7 14:15)

እምበኣርከስ ምንባርናን ምንጪ ህላዌናን ካብ ቅዱስ ቁርባን ምዃኑ እንካብ ተረዳእና ናይ እምነትን ተኣማንነትን ሕይወት እናነበርና እዚ ምሥጢር’ዚ ዝለዓለ ክርስቲያናዊ ትምክሕትና ጌርና ክንሕዞን ኣሜን ከምቲ ትደልዮ ይኹን ጎይታ ብምባል ቅብኣት ዘሎዎ ኣገልግሎትን ክርስትናን ንሓዝ;

Abba Yonas Yohanes
Rome 2014

0 Comments

Add a Comment